ጉባኤ መራሕቲ ሩሲያ ኣፍሪካ ፅባሕ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ሩሲያ ኣፍሪካ ፅባሕ ከምዝጅመር ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዱሲያ ኣፍሊጡ።

ንክልተ መዓልቲታት ኣብ ዝፀንሕ ጉባኤ÷ 49 ሃገራት ኣፍሪካ ከምዝሳተፋ ተገሊፁ።

ሓጋዚ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ዝኾኑ ዩሪ ኡሽኮቭ ንጋዜጠኛታት ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ መኽፈቲ ካልኣይ ጉባኤ መራሕቲ ሩሲያ -ኣፍሪካ፤ ፕሬዚዳንት ፑቲን መራሕቲ 17 ሃገራት ኣብ ዝሳተፉሉ ናይ ንጉሆ መርሃ ግብሪ መደረ ክገብሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ካብ ሞንጎ 49ኙ ሃገራት ኣፍሪካ 17 ብብርኪ መራሕቲ እንትውከሉ ሓሙሽተ ሃገራት ብምክትል ፕሬዚዳንታተን፣ ኣርባዕተ ብላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲን ሓንቲ ሃገር ብመራሒ ፓርላማ ከምትውከል ተሓቢሩ፡፡

ካልኦት 17 ሃገራት ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትራት ወይ እውን ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝውከላ እንትኾና÷ ሓሙሽተ ሃገራት ብኣምባሳደራተን ክውከላ ኢየን ተባሂሉ፡፡

እቲ ጉባኤ÷ “ንሰላም፣ ድሕንነትን ልምዓትን” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝካየድ እንትኸውን÷ ዕላማ እቲ ጉባኤ ድማ ምትሕብባር ሩሲያ-ኣፍሪካን ምድንፋዕን ሉኣላዊነት ምንግስታት ኣፍሪካ ምጥንኻርን ከምዝኾነ ኣር ቲ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment