ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ድህረ-ማላቦ ሲኤኤዲፒ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ድህረ-ማላቦ ሓፈሻዊ ፕሮግራም ልምዓት ግብርና ኣፍሪካ(ሲኤኤዲፒ) ኣብ ኡጋንዳ ካምፓላ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ፥ “ምስጓም ኩለ መዳይ ሽግግር ስርዓት ግብርና ንዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን ሓበራዊ ምዕባለን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ።

እቲ ጉባኤ፥ ድሕሪ ማላቦ ካብ 2026 ክሳብ 2035 ዓ.ም.ፈ ዘሎ ኣጀንዳ ስርዓት ግብርና ኣፍሪካ ኣብ ምቕራፅ ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)፥ መራሕቲ ኣፍሪካ ሓዊሱ መሻርኽቲ ልምዓት ረቂቕ  ሲኤኤዲፒ ካምፓላን ስትራቴጂ 10 ዓመትን ከምኡውን መርሃ ግብሪ ተግባር ንክድግፉ ዝገብር ኢዩ ኢሎም።

እቶም ወሰንቲ ሰነዳት ኣብ ስምምዕነት ማላቦ ዕውትነትን ዝውሰዱ ስጉምቲታትን ዝጠመተ ኣብ ኣፍሪካ ሽግግር ግብርና ንክህሊ ንምግባር ዝዓለሙ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

Comments (0)
Add Comment