ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ኣብ ምኽባር ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ልዑል ግደ ኣለዎ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ኣብ ምኽባር ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ልዑል ግደ ኣለዎ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ኣገልግሎት ሰላማዊት ካሳ፥ ቅድሚ 6 ኣዋርሕ ጀሚሩ እቲ ጉባኤ ንምስላጥ ዘኽእል እኹል ቅድመ ምድላው ክካየድ ከምዝፀንሐ ተዛሪበን።

ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ብሓባር ኣብ ዘውፅእኡ መግለፂ፥ ኣጀንዳ 2063 ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ፣ ሳይንስን ኢኖቬሽንን ዝተፈለየ ቆላሕታ ንክወሃብ ብኣፅንኦት ምቕማጦም ስዒቡ መደረ እቶም መራሕቲ እውን ኣብዚ ጠመተ ከምዝገብር ገሊፀን።

ብተወሳኺ ኣፍሪካውያን ሸቶ ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት እንትሰርሑ ፀኒሖም ኢዮም፤ ካብ መዳርግቲ ኣካላትን ማሕበረሰብ ዓለምን እንታይ ትፅቢት ይግበር ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት መልእኽቲ ከምዝመሓላለፍ ሓቢረን።

ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)÷ብሄራዊ ረባሓታት ኢትዮጵያን ዘኽብሩ ሓሳባት ኣብ መልእኽቶም ከምዘመሓላልፉ ትፅቢት ይግበር ኢለን።

ብየሻምበል ምህረት

 

Comments (0)
Add Comment