ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ዕዉት ንክኸውን ነበርቲ ከተማ አዲስ ኣበባ ዝተለመደ ኢትዮጵያዊ ባህሊ ምትእንጋድ ክፍፅሙ ይግባእ-ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጥ መበል 33 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዝምልከት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቲ ጉባኤ 1 ክሳብ 2 ለካቲት 2012 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሳለጥ እንትኸውን፥ እቶም ኣጋይሽ ንምቕባል ዘኽእል ምድላው ኣቐዲሙ ከምዝተገበረን ቅድሚ እቲ ጉባኤ ኣኼባ ኣፈፀምቲ ስራሕ እቲ ሕብረት ይሳለጥ ከምዘሎን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ተምሳሌት ነፃነት ኣፍሪካን ንነፃነት ኣፍሪካ ግንባር ቀደም ተራ ዘለዋን ኢያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣፍሪካውያን ብሓባር ብምዃን ጠንካራ ሕብረት ንከጣይሹ እምነ ኩርናዕ ዘንበረት ሃገር ከምዝኾነት ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ኣፍሪካውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ናብ ኢትዮጵያ እንትመፅኡ ናብ ሃገሮም ከምዝመፅኡ ኢዩ ዝስመዖም ኢሎም።

እቲ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ዕዉት ንክኸውን፥ ነበርቲ ከተማ አዲስ ኣበባ ዝተለመደ ኢትዮጵያዊ ባህሊ ምትእንጋድ ደጊሞም ንከረጋግፁ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብምኽኒያት እቲ ጉባኤ መገዲታት እንተተዓፂዩ “ንኣጋይሽ ቅድሚያ ዝብል ኢትዮጵያዊ ባህሊ ኢዩ” ብምባል ብፀጋ ክቕበልዎ ከምዝግባእ እውን ተማሕፂኖም።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሆቴላት ዘለዉ ኣተኣናገድቲ ኣምባሳደራት ኢትዮጵያ ምዃኖም ብምእማን፤ ኣብ መገዲታት ደው ዝበሉ ፖሊሳት እውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝመደበቦም ኣተኣናግድቲ ምዃኖም ኣብ ግምት ከአትዉ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ብድምር ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ እቲ ጉባኤ ዝዛዘም፥ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ነቶም መራሕቲ ብምትእንጋድን ካብ መንግስቲ ዝወሃቡ መምርሒታት ብምትግባርን ዝካኣሎ ኩሉ ንክፍፅም ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment