ጉባኤ ለውጢ ንብረት ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ግብፂ ሻርም ኣል ሼክ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ለውጢ ንብረት ኣየር ሃገራት ኣፍሪካ ትኹረት ዝገበረ ጉባኤ ለውጢ ንብረት ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ግብፂ ሻርም ኣል ሼክ ይሳለጥ ኣሎ።

ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ÷ ሃገራት ኣፍሪካ ምሰ ለውጢ ንብረት ኣየር ንምልማድን ዝሕደስ ሓይሊ ምጥቃምን ዝኽእሉሎም ዛዕባታት ኣመልኪቱ ልዝብ ክግበር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ኤጀንሲ ለውጢ ንብረት ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ÷ ኣብ ኣፍሪካ 116 ሚሊየን ሰባት ኣብ ትሕቲ ጠለል ባሕሪ ዝርከቡ ኢዮም፡፡

ብምዃኑ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውየን 2050 ሃገራት ኣፍሪካ ምስ ለውጢ ንብረት ኣየር ተተሓሒዙ ፅዕንቶታት ንምግታእ 50 ቢሊየን ዶላር ፈሰስ ክገብራ ከምዝግባእ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ጉባኤብሓፈሻ ልዕሊ 40 ሺሕ ሰባት ዝሳተፉሉ እንትኸውን፥ 121 መራሕቲ ሃገራት ክርከቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ኣፍሪካ ኒውስ ፀብፂቡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ልኡኾምን ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ  ግብፂ፣ ሻርም ኣል-ሼይክ ምእታዎም ይፍለጥ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment