ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ገዳማት፣ ኣድባራት፣ ተፈጥሮን ባህሊን ሓድጊን ቃላይ ጣና ኣብ ዩኔስኮ ብቀዋምነት ንምምዝጋብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ቢሮ ቱሪዝም ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ እቲ ቢሮ ኤርሚያስ መኮንን፥ ገዳማት፣ ኣድባራት፣ ተፈጥሮን ባህሊን ሓድጊን ቃላይ ጣና ኣብ ዩኔስኮ ኣብ ብጊዚያዊ መዝገብ ከምዝሰፈሩ ብምሕባር፤ እቶም ሓድጊታት ብቀዋምነት ንምምዝጋብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ኣብ ቃላይ ሃይቅን ከባቢኡን ዝርከቡ ቦታታት ትምህርቲ ሃይማኖትን ፍልስፍናን እናተውሃበሉ ዝነበረን ምስጢራት ዓለም ይርከቡሉ ተባሂሉ ዝሕሰብ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ እናተገበረ ዝነበረ ፃዕሪ ተቐባልነት ረኺቡ ብግዚያዊነት ከምዝተመዝገበ ኣዘኻኺሮም፡፡
ሓድጊታት ኣብቲ ዓለም ለኸ ትካል እንትምዝገቡ፥ ዓለም ለኸ ሓለዋ ከምዝግበረሎምን ኣብ ዓለም ዙሪያ ንኽፋለጡ ከምኡ እውን ፍልፍል ቁጠባዊ ሃፍቲ ንኽኾኑ ምግባ ከምዝከኣል ምግላፆም ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com