ገበን ምዝራፍ ብር 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዝፈፀሙ ተኸሰስቲ ብ16 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ተቐፂዖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ከቢድ ገበን ምዝራፍ ብር 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዝፈፀሙ ክልተ ተኸሰስቲ ሕድሕዶም ብ16 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽቕፅዑ ተበይኑሎም።

1ይ ተኸሳሲ ኣስር ኣለቃ ሃብታሙ ገ/ኪሮስን 2ይ ተኸሳሲ ዘካርያስ ባጫን ኣብ ሕጊ ገበን ዓንቀፅ 32/1/ሀን 671/1/ለን ዝተመልከቱ ድንጋገታት ተመሓላሊፎም ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ 22 ሚያዚያ 2012 ዓ.ም ኣብ ክፍለ ከተማ ክፍለ ቀራኒዮ ፍሉይ ቦታ “ቤቴል እሳት ኣደጋው” ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ውልቀ ተበዳሊ ዝሓዞ መኪና 1ይ ተኸሳሲ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ብዛዚነትን ሹፈር ስታፍ ኮሌጅ ብምዃን ንስራሕ ዝግልገለሉ መኪና ተጠቒሙ ናይ ተበዳሊ መገዲ ብመኪኑኡ እንትዓፅወሉ፥ 2ይ ተኸሳሲ ድማ ብመስኮት መኪና ተበዳሊ ብምእታውን ኣጋፊዑ ብምውራድ 1ይ ተኸሳሲ ናብ ዝሓዞ መኪና ኣገዲዱ ከኣቱ ብምግባርን ብምእሳርን ኣብ ኮፈን ኣብ ውሽጢ ቦርሳን ፌስታልን ዝነበረ ብር 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ብምዝራፍን ንዓቃቢ ሕጊ ምስክር ኣሕሊፎም ብመሃብ ገበን ከምዝፈፀሙ መዝገብ ክሲ ዓቃቢ ሕጊ ተመልኪቱ፡፡

ብመሰረት እዚ ተኸሰስቲ ብዋና ፈፃ ገበንን ተኻፋሊን ብምዃን ዝፈፀሙዎ ከቢድ ገበን ሽፍትነት ብክልተ ዝተፈላለዩ ክሲታት ብዓቃቢ ሕጊ ተመስሪቱዎምም።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ደታ ምድብ መጋባእያ እውን ዓቃቢ ሕጊ ብዝርዝር ዘቕረቦ መረዳእታ ጥፍኣት ተኸሰስቲ ብትኽኽክል ዘረጋግፅ ስለዝኾነ ተኸሰስቲ ጥፍኣተኛታት ኢኹም ክብል ንሕድሕዶም ብ16 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽቕፅዑ ምውሳኑ ካብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment