ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ 2016 ዓ.ምን ትልሚ 2017 ዓ.ምን ክልል ሃረሪ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ መንግስቲን ፓርቲን 2016 ዓ.ምን ትልሚ 2017 ዓ.ምን ክልል ሃረሪ ተጀሚሩ።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ሮዛ ዑመር፥ ኣብ 2016 ዓ.ም ንምፍፃም ካብ ዝተተለሙ ስራሕቲ ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳርን ሰላምን ዝተባባዕ ውፅኢት ተመዝጊቡ ኣሎ ኢሎም።

ንኣብነት፥ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም፣ ግብርና፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ኣተኣኻኽባ ግብሪ፣ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት፣ ምቕናስ ፅዕንቶ ናህሪ ናብራ፣ ፅሬትን ፅባቐን፣ ሓለዋን ክንክንን ቅርሲ ከምኡውን ምሕላው ዘላቒ ሰላም እቲ ክልል ብዝምልከት ዕዉት ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣብሪሆም።

ሓላፊ ቅርንጫፍ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና  ጌቱ ወዬሳ ብግደኦም፥ ኣባልን ኣመራርሓን ብናይቲ ፓርቲ ኣረኣእያን ቅዋምን ዝፀረየ ገንዛበን ኣረኣእያን ንክህልዎም ኣብ ምግባር እቲ ፓርቲ “ከዕዳ ወደ ምንዳ” ኣብ ዝብል ብሄራዊ ተረኽን ካልኦት ርእሰ ጉዳያትን ዝተውሃቡ ስልጠናታት ዕዉታት ከምዝነበሩ ሓቢሮም።

ኣብ ዝተዛዘመ ባጀት ዓመት ዝተተግበሩ ተግባራት ብግዜን ፅርየትን ብምግምጋም ንቐፃሊ ልኡኽ ምድላው ዝግበረሉ ኢዩ ምባሎም ኣብ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment