ገምጋም ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚን መሰረተ ልምዓትን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ገምጋም ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ወርሒ በጀት ዓመት 2016 ማክሮ ኢኮኖሚን መሰረተ ልምዓትን ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ገምጋም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለምፀሃይ ጳውሎስ፣ ሚኒስትር ፕላንንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ን ካልኦት ኣመራርሓን ተረኺቦም።

ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2016 ብዓውዲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ 10 ዓመት ትልሚ ልምዓት ዝተቐመጠ ሸቶ ንምዕዋት ዘኽእል ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ይመዝገብ እምበር ህዚ እውን ናይ ቆራፅነት ኣመራርሓን ዝተዋደደ ኣሰራርሓን የድሊ።

ብፍላይ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት፣ ምኽባር ናብራን ጉዳያት ሰላም ዝረኣዩ ፀገማት ምእራምን ንህዝቢ ንምኽሓስ ዘኽሉ ስራሕቲ ብቆራፅነት ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment