ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2017 ዓ.ም ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልኦ፥ ዝተትሓዘ ትልሚ ዝተፈፀመሉ ከይዲ ኣብቲ ገምጋም ክፍተሽ ኢዩ።
ብመሰረት እዚ ዝተረኸቡ ጥንካረታት ምቕፃልን ብድኽመት ዝተፈለዩ ድማ ጠመተ ብምሃብ ምግምጋም ግቡእ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂበን።
ዝረኣዩ ድኽመታት ከይተጎላበቡ ምግምጋሞም ፍልፍል ጥንካረታት ካብ ዝበሃሉ ሓደ ምዃኑ ተዛሪበን።
ግዕዙይ ኣሰራርሓ፣ ስርቂ፣ ብላዕን ድኹም ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ንምፍታሕ ዘኽእል ኢዩ እውን ኢለን።