ጆ ባይደን ፕሬዚዳንታዊ ስርሖም ምስ ጀመሩ ንኹሎም ኣሜሪካውያን ን100 መዓልቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንክገብሩ ከምዝሓትዎም ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25  ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኣመሪካ ብምዃን ተመሪፆም ዘሎዉ ጆ ባይደን ዕላዊ ስርሖም ምስ ጀመሩ ንኹሎም ኣመሪካውያን ን100 መዓልቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንክገብሩ ክሓቱዎም ምዃኖም ኣፍሊጦም።

መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንዝርጋሐን ምቊፅፃርን ቫይረስኮሮና ዓብዪ ግደ ከም ዘለዎ ምስ ማዕኸን ዜና ሲኤንኤን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት ተዛሪቦም።

ጆ ባይደን ኣብ ኩሎም ህንፃታትን ኣብያተ ፅሕፈትን መንግስቲ ዝኣቱ ሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንክጥወም ዘኽአል መምርሒ ከመሓላልፉ’ውን ሓቢሮም።

ኣብ ኣመሪካ ከባቢ 14 ሚልየን ሰባት ብቫይረስኮሮና ክልከፉ እንከለው፥ 275 ሺሕ ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ሞይቶም ኣለው።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

Comments (0)
Add Comment