ጆ ባይደን ኣብ ቀዳሞት 100 መዓልታት 100 ሚልየን ኣሜሪካውያን ከምዝኽተቡ ቃል ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምሩፅ ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ኣብ ቀዳሞት 100 መዓልታት ስራሕ ፕሬዚደንትነቶም 100 ሚልዮን ኣመሪካውያን ክኽተቡ ምኳኖም መብጽዓ ኣትዩ።

ጆ ባይደን እቲ ዘሎ ለበዳ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፡ ምሉእ ንምሉእ ክውገድ ከምዘይክእል ብምሕባር ካብዚ ዘለዎ ናህሪ ግን ኣንፈቱ ከቐይሮን ከጉድሎን ምኳኑ’ዩ ሓቢሩ።

ጆ ባይደን ነቶም ኣብ ጽላት ጥዕና ክምርሑ ዝረቆሖም ንኸላሊ ናብ መድረኽ ኣብ ዝቐረበሉ፡ ህዝቢ ኣመሪካ ንዝመጽእ 100 መዓልታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀም ተማሕጺኑ።

ብመሰረት ቅዋም ኣመሪካ ጆ ባይደን 20 ጥሪ ቃለ መሓላ ብምፍጻም እዩ ወግዓዊ ስራሕ ፕረዚደንትነቱ ኣብ ዋይት ሃውስ ኮይኑ ክጅምር።

ብዛዕባ ክታበት ፋይዝር ባዩ ኤንተክ ንድሕነቱ ዝምልከት ብሰሉስ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ እቲ ክታበት ኣብ ኣመሪካ ወግዓዊ ፍቃድ ንኽረክብ ባይታ ዘጣጥሕ እዩ ነይሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ’ውን ኣብ ዋይት ሃውስ ንክታበት ኮቪድ 19 ኣመልኪቱ ኣብ ዝተኻየደ ኣኬባ ተሳቲፉ።

ብመሰረት ካብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ኣብ ኣመሪካ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 15 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ 285,000 ሰባት ኸኣ ሞይቶም፡ ብመሰረት እዚ፡ ኣመሪካ ብመጠን መልከፍትን ሞትን ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ዘላ ሃገር እያ።

ኣብ ዝበዝሐ ግዝኣታት እታ ሃገር መጠነ መልከፍቲ ብናህሪ’ዩ ዝውስኽ ዘሎ፡ ሆስፒታላት’ውን ቅጽጽ ኢለን ይርከባ፡ ብዙሓት ሰብ ሞያ ጥዕና፡ መጠነ መልከፍቲ ብናህረቲ ክውስኽ ዝኸኣለ ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ኣመሪካውያን ብምኽንያት መዓልቲ ምስጋና ካብን ናብን ስለዝገሹ እዮም ይብሉ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment