ጅግና ሲ ኤን ኤን ፍረወይኒ መብራህቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሙቕ ኣቀባብላ ክግበረላ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ጅግና ሲ ኤን ኤን ዓመተ 2019 ዝኾነት ፍረወይኒ መብራህቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሙቕ ኣቀባብላ ክግበረላ ኢዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጥ መርሃ ግብሪ፥ ምትእኽኻብ ኣቕሑት መናፅሂ ደቂ ኣነስትዮ አውን ከምዝሳለጥ ተሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣብያተ ትምህርቲ ንዝመሃራ ደቂ ኣነስትዮ ዝኸውን ሞዴስን ካልኦት ኣቕሑት መናፅሂን ብነፃ ንምቕራብ እቲ ምምሕዳር ከተማ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተዋዲዱ እናሰርሐ ይርከብ።

ስለዝኾነ 28 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ከምዝካየድ መተሓባበርቲ ኮሚቴ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ 700 ሺሕ መናፅሂ ደቂ ኣነስትዮ (ሞዴስ)ን 200 ሺሕ ፓንትታትን ንምእካብ ከምዝተሃቀነን ልዕሊ 20 ሺሕ ገበርቲ ሰናይ ተሳተፍቲ ከምዝኾኑን እቶም መተሓባበርቲ ገሊፆም።

ተዓዋቲት ጅግና ሲ ኤን ኤን ዓመተ 2019 ፍረወይኒ መብራህቱ ኣብቲ እዋን ናይ ክብሪ ኣቀባብላ ከምዝግበረላ ተገሊፁ።

ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላትን ዝኸኣሉዎ ሞዴስ፣ ፓንት ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ኣቕሑት መናፅሂን ብምሓዝ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ክርከቡ ከምዝኽእሉ እቶም መተሓባበርቲ ኣፍሊጦም።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትምህርቲ ካብ ዝርከቡ ተምሃሮ ልዕሊ 50 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ እንትኾና፥ እተን ተምሃሮ ብምኽኒያት ወርሓዊ ፅግያት በቢወርሑ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ መዓልቲ ካብ ትምህርተን ከምዝቐርያ መፅናዕቲታት ይሕብሩ።

ፍልፍል፦ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሪታርያት ከተማ ኣዲስ ኣበባ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment