ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ ምስ ላዕላዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ሶማሊያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕላዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፌዴሪኢ ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ ምስ ላዕላዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ሶማሊያ ኣዲዋ የሱፍ ራጌ ተዛቲዮም።

ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ሶማሊያ ንቐፃሊ ብወታደራዊ ዓውዲ ንባዕላ ክኢላ ደው ንምባል ኣብ ክሊ እትገብሮ ፃዕሪ ከምዝተላዘቡ ካብ መከላከያ ሰራዊት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ላዕላዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፌዴሪኢ ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ፥ ሶማሊያ ንባዕላ ንምኽኣል ኣብ እትገብሮ ምንቅስቓስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ወታደራዊ ምትሕብባርን ኣጋርነትን ከምዘይፍለያ ቃል ኣቲዮም።

ሰላም ጎረቤት ሃገር ናትና እወን ሰላም ብምዃኑ ናይ ሓባር ፀላኢና ክሳብ መወዳእታ ንምድምሳስ ድልዋት ኢና ኢሎም።

ላዕላዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ሶማሊያ ኣዲዋ የሱፍ ራጌ ብግደኦም፥ ኣሸባሪ ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ሶማሊያ ህዝብ ዝፈጥሮ ፅዕንቶ ኣብ ምቕናስ ኣብ ትሕቲ ኣሚሶም  ንግዳጅ ዝተዋፈረ  ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ዘይትካእ ሚና ከምዝተጫወተ ተዛሪቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment