ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጃፓን ሃያሺ ዮሺማሳ ሃገሮም ጃፓን ኣብ ክልቲኣዊን ዓለም ለኻዊን ምትሕብባራት ምስ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ዘለዋ ቁርፀኝነት ገሊፆም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጃፓን ሃያሺ ዮሺማሳ ዘቲዮም።
ሚኒስትር ሃያሺ ዮሺማሳ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሳለጥ ህንፀት ሰላምን ካልኦት ተግባራት ልምዓትን እትገብሮ ድጋፍ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ኣረጋጊፆም።
ኣይተ ደመቀ መኮንን ብግደኦም፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀጣናዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕን ርክበን ንምጥንኻርን ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ምዝታዮም ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ክልቲኣዊ ርክብ ዘይሕለል ፃዕሪ ክተካይድ ኢያ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።