ጃፓን ኣብ ክልል ትግራይ ጉድኣት ንዝበፅሖምን ዝተመዛበሉ ወገናትን ዝውዕልን 265 ሚሊየን ብር ሓገዝ ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጃፓን ኣብ ክልል ትግራይ ጉድኣት ንዝበፅሖምን ዝተመዛበሉ ወገናትን ዝውዕልን 265 ሚሊየን ብር ሓገዝ ዕላዊ ገይራ።

እቲ ሓገዝ ብዋንኡ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ተጠቀምቲ ዝገብር ከምዝኾነ እውን ኤምባሲ ጃፓን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሓገዝ ብሓፈሻ ብር 265 ሚሊየን እንትኸውን፥ ምግቢ፣ መፅለሊ፣ መሐለዊ ፅሬትን ሃነፅቲ ምግቢታትን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ኣቑሑትን ዘካተተ ኢዩ፡፡

ብፕሮግራም ምግቢ ዓለም፣ ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት፣ ዩኒሴፍ፣ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያት እቲ ውድብን ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ኣቢሉ ንተጎዳእቲ ክበፅሕ ኢዩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment