ጃፓን ኣብ ክልል ሶማሌ ንዝርከቡ ስደተኛታትን ንተቐበልቲ ማሕበረሰብን ዝኸውን 37 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጃፓን ኣብ ክልል ሶማሌ ንዝርከቡ ስደተኛታትን ንተቐበልቲ ማሕበረሰብን ዝኸውን 37 ሚሊየን ብር ሓገዝ ከምዝገበረት ኣፍሊጣ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 14 ሕዳር 2024 ገባሪ ሰናይ ጎረቤታት ብዝብል ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ብመንግስቲ ጃፓን ሓገዝ ገንዘብ ዝተገበረ “ፕሮጀክት ምፍላጥ መዕቖቢ ስደተኛታት ኣው-ባሬን ሸደርን ኣተኣናገድቲ ማሕበረሰብን” መኽፈጺ ስነ-ስርዓት ተሰናዲኡ ነይሩ፡፡

ኣብቲ ክልል ዞባ ፋፋን ዝርከቡ መዕቖቢ ጣቢያተት ኣው-ባሬን ሸደርን ልዕሊ 15 ዓመታት ብዙሓት ስደተኛታት እናተኣናገዱ ይርከቡ።

በዚ ምኽንያት ድማ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ንዝርከቡ ስደተኛታትን ንተቐበልቲ ማሕበረሰብን ዝኸውን 37 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይራ ዘላ ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment