ጃፓን ንነበር ተዋጋእቲ መሊስካ ንምጥያሽ ልዕሊ 6 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ጃፓን ኢትዮጵያ ንዘካይዶ ነበር ተዋጋእቲ ዕጥቂ ምታሕን መሊስካ ናይ ምጥያሽን ተግባር ልዕሊ 6 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ነበር ዕጡቓት ዕጥቂ ምፍታሕ ሓዊሱ መሊስካ ምስ ምጥያሽ ተተሓሒዙ ንዝውግኖም ተግባራት መፈፀሚ ከምዝውዕል ተገሊፁ፡፡

ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣብ ኢትዮጵያ ሸሞንተ ክልላት ነበር ዕጡቓት ዕጥቂ ምፍታሕን መሊስካ ምጥያሽን ስራሕ ከምዝገብር ምግላፁ ሓበሬታ ሚኒስቴር ገንዘብ የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment