ጃፓን ንመተግበሪ ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ደገፍ ከምእትገብር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ጃፓን ንመተግበሪ ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ደገፍ ከምእትገብር ገሊፃ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስትር ፍትሒ በላይሁን ይርጋ መስ ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ሺባታ ሂሮኖሪ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምዕራፍ ትግበራ ሽግግር ፍትሒ ብሓባር ኣብ ዝሰርሓላ ኩለነታት ዘቲዮም።

ኣይተ በላይነህ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ነዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዐልባት ብምሃብ ዘላቒ ሰላም፣ ዴሜክራሲን ልዕልነት ሕጊን ንምንጋስ ፒሊሲ ሽግግር ፍትሒ ብምፅዳቕ ናብ ትግበራ መእታዉ ገሊፆም።

እቲ ፖሊሲ ዘተግብር ፍኖተ ካርታ ምድላው ብምግላፅ፥ ፖሊሲ ሽግግር ፈትሒ ዝጥምቱ መተግበሪ ሰልቲታት ዝትግብራ ትካላት ንምጥያሽ ማዕቐፋት ሕጊ ይዳሎ ኣሎ ኢሎም።

Comments (0)
Add Comment