ጃፓን ሃገራዊ ምኽክር ዕዉት ንኽኸውን ትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ሃገራዊ ምኽክር ዕዉት ንኽኸውን ትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ኢቶ ታካኮ ገሊፀን።

መንግስቲ ጃፓን ንመሳለጢ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ዝውዕላ ልዕሊ 7 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተገበረለን ክልተ ተሸከርከርቲ ብዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣቢሉ ሓገዝ ገይሩ።

መንግስተን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ላቒ ልምዓት ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ተግባራዊ ብምግባር ሓገዝ እናገበረ ከምዝኾነ ዝሓበራ እተን ኣምባሳደር÷ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሀን።

እቲ ሃገራዊ ምኽክር ንኹሉ ክፋል ማሕበረሰብ ብምስታፍ ብሄራዊ ምርድዳእን ዘላቒ ሰላምን ንምፍጣር ዝግበር ፃዕሪ ጃፓን ከምትድግፎ ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment