ጃፓን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ሽትኡ ንኽወቅዕ ኣድላዪ ሓገዝ ክትገብር ኢያ – ኣምባሳደር ጃፓን ኢቶ ታካኮ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጃፓን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ሽትኡ ንኽወቅዕ ኣድላዪ ሓገዝ ንምግባር ድልውቲ ከምዝኾነት ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኢቶ ታካኮ ገሊፀን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዝገብሮም ፃዕሪታት ጃፓን ብኣድናቖት ከምትምልከቶ እውን ተዛሪበን።

ጃፓን ብታሪኻ ዘጋጠማ ፖለቲካዊ ምምስቓል ብዝተፈላለዩ ምይይጣት ከምዝሓለፈቶም ዝሓበራ እተን ኣምባሳደር፥ እዚ ድማ ካብ ሰላማ ሓሊፉ ሕዚ ንዝበፅሐቶ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ መሰረት ከምዘንበረ ኣብሪሀን።

ኢትዮጵያ እውን ተካይዶ ብሄራዊ ምኽክር ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብዙሕ ረብሓ ሒዙ ከምዝመፅእ ዘለወን እምነት ብምግላፅ፤ ኣብቲ ከይዲ ኩሎም ኣካላት ክሳተፉ ክዝግባእ ገሊፀን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment