ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ፕሬዚዳንት ደቡብ አፍሪካ ጃኮብ ዙማ ንፍርድ ቤት ብምድፋር ዝተመሓላለፈሎም ማእሰርቲ 15 ኣዋርሕ ንምፍፃም ኢዶም ንፖሊስ ሂቦም፡፡
እቶም ነበር ፕሬዚዳንት ዝተመሓላለፈሎም ቅፅዓት ማእሰርቲ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዝኦም ዝርከብ ቤት ህንፀት ናታል ኢስት ኮርት ከምዝፍፀም ተገሊፁ፡፡
ወዲ 79 ዓመት ነበር ፕሬዚዳንት ጃኮብ ዙማ ናይ ማእሰርቲ ቅፅዓት ዝተመሓላለፉሎም፥ ኣብ ክሲ ገበን ግዕዝይና ሓበሬታ ንኽህቡ ተሓቲቶም መጋባእያ ረጊፆም ብመውፀኦም ኢዩ፡፡
ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ቅፅዓት ማእሰርቲ ይኹን ክሲ ተፈጢሙ ከምዘይፈልጥ ፀብፃብ ቢቢሲ የመላኽት።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።