“ጃንሜዳን ብሕብረት ንጥምቀት” ብዝብል መሪሕ ቃል ስነስርዓት ፅርየት መዕረፊ ታቦት ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)“ጃንሜዳን ብሕብረት ንጥምቀት” ብዝብል መሪሕ ቃል ስነስርዓት ፅርየት መዕረፊ ታቦት ተሳሊጡ።

ቀፃሊ ዕለተ ረቡዕን ሓሙሰን ንዝኽበር ድሮን ዕለትን በዓል ጥምቀት ኣብ ጃንሜዳ መሕደሪ ታቦት ሰዓብቲ አምነት አስልምናን ክርስትናን ብሓባር ኣፅርዮም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ “ኩላትና እቲ በዓል ብዝበለፀ ንክደምቕን ንዓለም ገፅታ ዓለም ንምርኣይን እንትንብል ምንም ኣፈላላይ ከይገበርና ተረኺብና ኣለና” እቲ ስነስርዓት ዘጀመራ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ተዛሪበን።

“ዒድ ኣልፈጥርን ኣብ ስታዲየም እንትነኽብር ኩሎም ኣብያተ እምነታት ኣፅሪና ኢና ሐዚ እውን ጥምቀት ዝኽበረሉ ቦታ ኩላትና ናይ ሓባርና ኢዩ እሞ ክነፅሪ ኢና” ዝበሉ ድማ ተወካሊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ  ሼክ ሰማ መሓመድ ኢዮም።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

Comments (0)
Add Comment