ጁንታ ጉጅለ ህወሓት ዘውግዝ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣3 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጁንታ ጉጅለ ህወሓት ዘውግዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ሰለማዊ ሰልፊ ብሰላም ተዛዚሙ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብማዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ኣተሓባባሪ ክላስተር ማሕበራዊ ምትእስሳር ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ፥ እቲ ሰለማዊ ሰልፊ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዝ ንዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ዘውግዝን ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘለና ደገፍ ንምርኣይን ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ሰልፊታት ድሕሪ ምዝዛሙ፥ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተፈላለዩ ደገፋት ብዓይነትን ብገንዘብን ኣብ ምሃብ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝርከቡ 10 ባንኪታት ደም “ደምና ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርና” ብዝብል መሪሕ ቃል ልገሳ ደም ይግበር ከምዘሎ ኣረዲኦም።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ጁንታ ጉጅለ ህወሓት ኣብ እዝ ሰሜን ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ዘውግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዝወስዶ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ዝድግፍ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታትን ወረዳታትን ጅማ፣ ኣጋሮ፣ በደሌ፣ ምስራቅ ሃረርጌን ኣርሲን ኢዩ ተኻይዱ።

እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ምክልኻል ሃገር ዝተፈፀመ ክሕደት ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ መንግስቲ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምጥቃዕ ሃገር ንምብታን ይንቀሳቐስ ንዘሎ ጁንታ ጉጅለ ኣድላዩ ሰሱጉምቲ ብምውሳድ ሰላም እዛ ሃገር ንከኽብር ፀዊዖም።

ብሙክታር ጠሃ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment