ጁንታ ህወሓት ኣብ ኣላማጣ ብመልክዕ ማእሰርቲ ሒዙዎም ዝነበረ ልዕሊ 10 ሺሕ ንፁሃን መናእሰይ ሒዙ ንደሓር ኣንሳሒቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ ሕዳር 6፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጁንታ ህወሓት ኣብ ኣላማጣ ብመልክዕ ማእሰርቲ ሒዙዎም ዝነበረ ልዕሊ 10 ሺሕ ንፁሃን መናእሰይ ሒዙ ንደሓር ከምዘንሳሓበ ተገሊፁ።

ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ዘለዉ መናእሰይን ህፃናትን ዩኒፎርም ኣስሪሑ እናኸደነ ናብ ጎንፂ ክኣትዉ እናገበረ ምዃኑ ከምዝተፈለጠ እውን ተገሊፁ።

እቲ ሓይሊ ጥፍኣት እናተሰዓረ ከምዝኾነ ምስተረደአ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ 10 ሺሕ ዝኾኑ መናእሰይ ካብ ከተማ ኣላማጣ ሒዙ ከምዝሃደመ ተገሊፁ፡፡

ነበርቲ እታ ከተማ፥ ዕድሚኦም ልዕሊ 14 ዓመት ዝኾኑ መናእሰይ በቲ ጉጅለ ጥፍኣት ናብ ውግእ ከይምልመሉ ብምፍራሕ ከባቢኦም እናለቐቑ ከምዝተሰደዱ ተዛሪቦም፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ከተማ ኣላማጣ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሉ፣ ስራሕቲi ምኽባር ሕጊ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት ፅዕንቶ ከየስዕብ ኣድላዪ ጥንቃቐ ተሓዊሱዎ፣ ብውፅኢታዊ ኩነታት እናተሳለጠ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ደቡብ መተሓባበሪ ሚዲያን ልምዓት ሃፍቲ ሰብን ኮሎኔል ደጀኔ ፀጋዬ ከምዝበሉዎ፥ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝፍፅሞ ግፍዒ ሕዚ እውን ይቕፅል ኣሎ።

ጉጅለ ህወሓት ኣብ ማይ ካድራን ካልኦት ከባቢታትን ዘስካሕኽሕ ጨፍጫፍ ዝፈፀመ ኣረመኔያዊ እኽብካብ ስለዝኾነ ኣብ ቀፃሊ እንታይ ክገብር ከምዝኽእል ምትንባይ ኣይከኣልን እውን ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment