ጁንታ ህወሓት መሰረተ ልምዓታት ትግራይ የዕኑ ኣሎ-መፃረዪ ሓበሬታ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጁንታ ህወሓት መሰረተ ልምዓታት ትግራይ የዕኑ ከምዘሎ መፃረዪ ሓበሬታ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንቕድሚት ምግስጋሱ ዘጨነቖ ጁንታ፣ ብኹሎም ኣንፈታት ናብ መቐለ ኣብ ዝወስዱ መገዲታት ዝርከቡ ኣርባዕተ ድልድላት ከምዘፍረሰ ገሊፁ።

ዝተኣማመነሎም ከበድቲ ምሽጋት ፈሪሶም፣ ኣብ መገዲ ሽረ ዝበፅሖ ሽንፈት ዘጨነቖ ጁንታ፣ ኣብ መንጎ ሽረን ኣኽሱምን ዝርከብ ኣስፓልት ብግሬደር ኩዒቱ ናብ ጉድጓድነት ቀይሩዎ ኢዩ እውን ኢሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment