ጁንታ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ንከይረክብ ብምግባር ፀላእነቱ ኣረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2023(ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ጁንታ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ንከይረክብ ብምግባር ፀላእነቱ ኣረጋጊፁ ክብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ናይ ተግራይ ተወለድቲ ተዛሪቦም።

ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ሎሚ መዓልቲ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣብቲ ክፍለ ከተማ ምስ ዝነብሩ ናይ ትግራይ ተወለድቲ ዘተ ተገይሩ።

“ኢትዮጵያ ከፍርሳ ኢየ” ኢሉ ዝተልዓለ ገብረ ራዕዲ ህወሓት ንምቅላስ ቁርፀኛ ከምዝኾኑ እቶም ተወለድቲ ተዛሪቦም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ ክፍኣት፣ ፅልኣትን ዘረኝነትን ምንቅስቓሳት አንተራገብ ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ኣሸባሪ ህወሓት ዝዘርኦ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኢትዮጵያዊ ኩሉ ካብ ውሽጡ ኣውፂኡ ናይቲ ግብረ ራዕዲ ክፉእ ኣመለኻኽታ ብፅኑዕ ክቃለሶ ከምዘድሊ ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ርእቶ ዝሃበ ወይዘሮ ንግስቲ አበበ÷ ገብረ ራዕዲ ህወሓት ብሴራ ፖለቲካ ዘረኝነት ንክስፋሕፋሕን ዜጋታት ባዕሎም ንባዕሎም ንክጋጨዉ ገይሩ ኢዩ፤ ይገብር እውን ኣሎ ኢለን።

እዚ ናይ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ነዕላምኡ ክብል ናይ ተግራይ መናእሰይን ደቂ ኣኒስቲዮን ብምግዳድ ንጦርነት ብምስዋር የወደእ ከምዘሎ ገሊፀን።

እቲ ጉጅለ ንምውጋድ ክሳብ መወዳእታ ነምቅላስ ቁርፀኝነተን ገሊፀን።

ዕላማ እቲ ጉጅለ ንምፍፃም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ብምግላፅ ግደአን ከምዝዋፅኣ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment