ጀይ ኢ ጂ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝግበር ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ስርዓት ምምዛንን ምውሳንን ደረጃ ስራሕ ሰራሕተኛታት (ጀይ ኢ ጂ) ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝግበር ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን እቲ ቢሮ ኣይተ ዳኒኤል ኣሰፋ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ጀይ ኢ ጂ ካብ 1 ሓምለ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ብብርኪ ሃገር ይኹን ብብርኪ ክልል ምምሕያሽ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ ዋላዃ እንተነበረ ብሕፅረት በጀት ምኽንያት ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ንሰለስተ ኣዋርሕ ክኽፈል ተወሲኑ ኢዩ ኢሎም።

ብበርኪ ሃገር ቁጠባዊ ዓቕሚ እዛ ሃገር እናቀነሰ ከምዝርከብ ዝገለፁ ኣይተ ዳኒኤል፥ ብሓገዝ፣ ብልቃሕን ካልኦትን ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣቱ ገንዘብ ብኣግባቡ ዘመሓድሮ መንግስቲ ብዘይምህላዉን ናይ ኣጠቓቕማ ችግር ስለዘሎን ውድቀት እናጋጠመ ስለዝኾነ ካብ 1 ሓምለ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ምኽፋል ከምዘይከኣል ገሊፆም።

ካብ ወርሒ ሚያዚያ ጀሚሩ ክኽፈል ተባሂሉ ዝተልኣኸ እውን ሙሉእ ብሙሉእ ዝኣክል ከምዘይኮነ ኣይተ ዳኒኤል ኣብሪሆም።

እቲ ብፌደራል መንግስቲ ዝተለቐቐ በጀት ናብ ብር 40 ሚልዮን ዝኸውን ጉድለት ስለዘለዎ ካቢኔ ክልል ካብ ናይ ክልል በጀት ቀኒሱ ነቲ ዝጎደለ በጀት መሊኡ ኣብ ወርሒ ጉንበት ናብ ኩለን ወረዳታትን ዞባታትን ብምልኣኽ ክፍሊት ከምዝፍፅም ተዛሪቦም።

ዝርዝር ኣፈፃፅማኡ ብዝምልከት ቢሮ ሲቪል ሰርቪስ በቲ መምርሒ መሰረት ናብ ኩለን ሴክተራት ከምዝልእኾ ዝገለፁ ኣይተ ዳኒኤል፥ እዚ ወሰኽ መሃያ ዘይኮነስ ምምዕርራይ መሃያ ስለዝኾነ ነጋዳይ ማሕበረሰብ ኣብ ዝኾነ ወሰኽ ዋጋ ክገብር ከምዘይግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment