ጀንታ ህወሓት ኣብ ዞባ ፈንታ ረሱ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰበኽ ሳግም ብዝፈፀሞ ጭፍጨፋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ደገፍ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣  2 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ጀንታ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ፈንታ ረሱ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰበኽ ሳግም ብዝፈፀሞ ጭፍጨፋ ጉድኣት ንዝበፅሖምን ኣብ ሆስፒታል ዱብቲ ሕክምንኦም ዝከታተሉ ዘለዉን ዜጋታት ናይ ምግብን ኣልባሳትን ደገፍ ተገይሩ።

ሓላፊት ቢሮ ህፃናትን ደቂ አነስቲዮን እቲ ክልል ወይዘሮ ኤይሻ  ያሲን እቲ ጨፍጫፍ ልዑል በደል ብምዃኑ ህዝቢ ዓፋር ፍፁም ኣይርስዖን ኢለን።

ስለዝኾነ ነቶም ኣብሕክምና ዘለዉ፣ በቲ ጁንታ ተገዲዶም ናብ ጦርነት ብምእተው መጉዳእቲ ዘጋጠሞምን ምርኮኛታትን ደገፍ ከምዝገበራሎም ገሊፀን።
እተን ሓላፊት ”ህዝቢ ዓፋር ብኢትዮጵያነቱ ዘይደራደር ንወራሪ ሓይሊ ኢዱ ዘይህብ ጅግና ህዝቢ ኢዩ፤ ስለዚ ነዚ እንዘይነኽኦ መሐሾ ነይሩ” ኢለን።

ጁንታ ካብ ዓፋር ምድሪ ክሳብ ዝወፅእ ምስ ፍሉይ ሓይሊን ህዝብን ብምዃን ክንቃለሶ ኢና ምባለን ካብ ዓፋር ክልል መገናኛ ብዙሃን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment