ጀነራል ኣበባው ታደሰ ኣብ ኢንዱስትሪያል መገጣጠሚ መኪና ፊቤላ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ኢታማዦር ሹም ላዕለዋይ ሓይሊታት ጦር ጀነራል ኣበባው ታደሰ ኣብ ከተማ ደብረ ብርሃን ዝርከብ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኢንዱስትሪያል መገጣጠሚ መኪና ፊቤላ ዑደት ገይሮም።

ኣብ ዑደቶም ድማ ተገጣጠመን ንስራሕ ድሉዋት ዝኾና ተሽከርከርቲን ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ ስራሕ እቲ ኢንዱስትሪን ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም፡፡

ኣዛዚ እዚ ኮማንዶን ኣየር ወለድን ሌ/ጀ ሹማ ኣብደታን ሓላፊ ዘፈር ፀፅታ ክልል ኣምሓራን ሓዊሱ ኣመራርሓ እቲ ክልልን ሰራዊት ኣብቲ ዑደት ከምዝተሳተፉ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment