ጀርመን ዳግመ ህንፀት ዝውዕል ተወሳኺ ሓገዝ 4 ሚሊየን ዩሮ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀርመን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ እናተወገነ ዝርከብ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ዝውዕል ተወሳኺ ሓገዝ 4 ሚሊየን ዩሮ ከምዘፅደቐት ተገሊፁ።

በዚ ድማ ጀርመን ንህንፀት ሰላምን መትከሊ እግሪን ዝገበረቶ ሓገዝ 14 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዩሮ ከምዝበፅሐ ተሓቢሩ።

እቲ ሓገዝ ኣብ ሰሜን ክፋል እዛ ሃገር ብዝነበረ ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን እናተወገነ ንዝርከብ ዳግመ ህንፀት ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋስው፤ በቲ ኲናት ዝተጎድኡ ከባቢታት መሊስካ ንምህናፅን ንናብራ ምቹዋት ንኽኾኑን ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ኣብዚ መዳይ መንግስቲ ጀርመን ወሳኒ ሓገዝ እናገበረ ከምዝርከብ ገሊፀን።

Comments (0)
Add Comment