ጀርመን ወፃኢ ሓይሊ ንምንካይ ዝኸውን 65 ቢሊየን ዩሮ መትከሊ እግሪ ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀርመን እናወሰኸ ዝመፅአ ወፃኢ ሓይሊ ንምንካይ ዝኸውን 65 ቢሊየን ዩሮ መትከሊ እግሪ ከምዝሰለዐት ኣፍሊጣ።

ጀርመን እቲ ገንዘብ ዕላዊ ክትገብር ዝኸኣለት ኣውሮፓውያን ብምኽንያ ኲናት ሩሲያ ዩክሬን ምስ ዋሕዲ ቀረብ ሓይሊ እናተሃሰዩ ኣብ ዝርከቡሉ እዋን ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቲ ዕላዊ ዝተገበረ ገንዘብ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝተመደቡ ዝዛየደ እንትኸውን፥ ንዜጋታት ድጎማ ነዳዲ ንምግባር ሓዊሱ እፎይታ ግብሪን ቀረብ ናፃ ትራንስፖርትን ዘካትት ኢዩ ተባሂሉ።

መራሄ መንግስቲ ጀርመን ኦላፍ ሹልዝም፥ በቲ መትከሊ እግሪ ብፍላይ ትሑት ኢኮኖሚያዊ እቶት ዘለዎም፣ ተምሃሮን ጡረተኛታትን ተረባሕቲ ድጎማ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ 9 ሺሕ ዝኾኑ ምስ ቀረብ ሓይሊ ዝሰርሑ ትካላት እፎይታ ግብሪ ክረኽቡ ኢዮም ምባሎም ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ናብ ኣውሮፓ ዝኣቱ ነዳዲ ሩሲያ ምንካዩ ስዒቡ ዋጋ ነዳዲ ብልዑል ኩነታት ከምዝወሰኸ ይዝረብ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment