ጀርመን ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ንምድጋፍ ድልውቲ ኢያ-ኣምባሳደር ስቴፋን ኣወር

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀርመን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቶ እንተቕሪቡላ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ንምድጋፍ ድልውቲ ምዃና ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ  ስቴፋን ኣወር ገሊፆም።

ኣምባሳደር ስቴፋን ኣወር፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣዩ ውሽጣዊ ፀገማት ንምፍታሕ ብሓባር ምዝታይ ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ እተካይዶ ሃገራዊ ዘተ ንኹሉ ዘሳትፍ ኮይኑ ንኽኻየድ ዘለዉ ኣፈላላያት ተቐራሪብካ ምዝርራብ የድሊ ኢሎም።

በዚ ኣቢልካ እቶም ፀገማት ምልላይን መፍትሒ ምቕማጥን ከምዝከኣል ብምሕባር፥ እቲ ከይዲ ዘተ ንኹሉ ዝሓቁፍ ነክኸውን ዝስራሕ ዘሎ ስራሕቲ ንኢዶም።

ጀርመን ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ንምድጋፍ ድልውቲ ከምዝኾነት ድማ እቶም ኣምባሳደር ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment