ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀርመን ትልሚ ቁጠባ ኣጠቓቕማ ጋዝ ኣፅዲቓ።
እቲ ትልሚ ቢሮታትን ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላትን ዝጥቀምሉ መጠን ሙቐት ካብ 19 ክሳብ 20 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ንክኸውን ዝግድብ ኢዩ ተባሂሉ።
ትማሊ ኣባላት ካቢኒ ጀርመን ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ኢዩ እቲ ትልሚ ገደብ ፀዲቑ።
ሚኒስትር ኢኮኖሚ እታ ሃገር ሮበርት ሀቤክ ኣብ በርሊን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ መንግስቲ ጀርመን ኣብታ ሃገር ኣብ ቀፃሊ ዝህሊ እዋን ዋዒ ኣየር ኣጠቓቕማ ጋዝ ንምቕናስ ዝሕግዝዎ ዝተፈላለዩ ስጉምተታት ምውሳድ ዘኽእሉ ትልሚታት ከምዘፅደቐ ተዛሪቦም።
እቲ ውሳነ ካብ 1 መስከረም 2022 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ቀስ ብቐስ ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ ግዘ ከምዝትግበር ኣር ቲ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።