ጀርመን ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ዝርከብ ለውጢ ከምትድግፍ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ሃገሮም ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ዝርከብ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ለውጢ ከምትድግፍ ኣፍሊጦም።

ሚኒሰስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ንኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ስቴፋን ኣውየርን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤት ፅሕፈተን ተቐቢለን ኣዘራሪበን።

ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኢትዮጵያ እናተግበረቶ ኣብ ትርከብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ኣመልኪተን ነቶም ኣምባሳደር ገለፃ ገይረናሎም።

ኢትዮጵያ ካብ ምትሕብባር ልምዓት ትረኽቦ ሓገዝ ኣመልኪተን እውን ዝዘተያ እንትኾና፥ እቲ ሓገዝ ንልምዓት ኢትዮጵያ ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ቀሊል ከምዘይኮነ እውን ኣብሪሀን።

ኣምባሳደር ስቴፋን ኣውየር ብግደአን፥ ሃገሮም መሓዛ ልምዓት ኢትዮጵያ ከምዝኾነት ብምሕባር፤ መንግስቶም ኢትዮጵያ እናካየደቶ ትርከብ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ለውጢ ከምዝድግፍ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ጀርመን ኣመራርሓ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ከምዝድግፍ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓባቢሩ ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾነ ወሲኾም ሓቢሮም።

ዶክተር ፍፁም ኣሰፋን አምባሳደር ስቴፋን አውየርን ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጀርመንን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨስትመንትን ፕሮግራም ልምዓትን ምትሕብባርም ንምጥንኻር ከምዝተስማዕምዑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment