ጀርመን ምስ መረፃ ተተሓሒዙ ሓገዝ ብር 191 ሚሊየን ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ )መንግስቲ ጀርመን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2020 ክሳብ 2025 ኣብ ዘሎ ከይዲ እዋን መረፃ ብኮሚሽን ኣውሮፓ ኣቢላ ኣብ ኢትዮጵያ ውፅታዊ ምሕደራ መረፃን ኣመራርሓንንኽሉ ዝሕግዝ ሓገዝ ልምዓት ምግባሩ ተገሊፁ።

እቲ ዝተገበረ ሓገዝ 4 ሚሊየን ዩሮ እንትኸውን፥ ኣብ ምርግጋእ፣ ሰላምን ምዕባለን ኢትዮጵያ ኣስተዋፅኦ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ስምምዕነት ሓገዝ ገንዘብ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 6 ታሕሳስ 2019 ብሚኒስቴር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ጉጅለ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ኣምባሳደር ቦርግስታም ዝተፈረመ መበል 11 ግዘ ብሄራዊ ፕሮግራም ልምዓት ፈንድ ኣካል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 26 ሕዳር 2020፥ ብመንግስቲ ጀርመንን ሕብረት ኣውሮፓን ኣቢሉ ንኢትዮጵያ ዝኸውን 10 ሚሊየን ዩሮ ተወሳኺ ሓገዝ ገንዘብ ተገይሩ ከምዝነበረ ዝዝከር ኢዩ፡፡

ካብ 2020 ክሳብ 2025 ኣብ ዘሎ ክይዲ መረፃ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ውፅታዊ ምሕደራ መረፃን ኣመራርሓን ንኽህሉ ጀርመንን ሕብረት ኣውሮፓን ብሓፈሻ 24 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ምግባሮም ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/!

Comments (0)
Add Comment