ዶ/ር ግርማ ኣመንቴ ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሕርሻ ዶክተር ግርማ ኣመንቴ ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዛሆ ዚዩዋን ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ቻይና ዓውዲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ንምዝማን ኣብ ትገብሮ ኩለመዳይ ሓገዝ ትኹረት ገይሮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ቻይና ዓውዲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ንምዝማንን መፍረያይነት ንምድንፋዕን ኣብቲ ዓውዲ ንዝሰርሑ ሰብ ሞያ ዓቕሚ ህንፀት ስልጠና ምሃብ፣ ዘበናዊ መሳርሒታ ሕርሻን ሓገዝ ቴክኖሎጂን ከምትገብር ተሓቢሩ፡፡

ሰብ ሃፍቲ ቻይና ኣብ ኢንቨስትመንት ሕርሻ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ምቹው ኩነታ ብምጥቃም፥ ኣብ ዘፈር ሕርሻ ኢትዮጵያ ተዋፊሮም ንኽሰርሑ ዘኽእል ስራሕ ከምዝስራሕ፤ ኣብቲ እዋን ዘተ ምግላፁ እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment