ዶ/ር ክብሮም ገ/ስላሴ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ብምኽኒያት ዘበርከትዎ ልዑል ኣገልግሎት ተሸላሚ ንክኾኑ ተሓሪዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዶ/ር ክብሮም ገ/ስላሴ ኣብ ዓውዲ ጥዕና  ኣብ መበል 26 ዓመታዊ ጉባኤ ዓውዲ ጥዕና ሚኒስቴር ጥዕና ተሸላሚ ንክኾኑ ተሓሪዮም።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ዶ/ር ክብሮም ገ/ስላሴ ብዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ንዘበርከትዎ ልዑል ኣገልግሎት ኢዩ ተሸላሚ ንክኾኑ ከምዝተሓረዩ ኣፍሊጡ።

ዶ/ር ክብሮም ገ/ስላሴ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ኣብ ዝተፈላለዩ ብርኪታት ሓላፍነት ን19 ዓመታት ዘገልገሉ እንትኾኑ፥ ኣብ ቅድመን ድህረን ምረቓ ሕክምና መጥባሕቲ ስርዓተ ትምህርቲ ብምቕራፅ ኣስተዋፅኦ ከምዝገበሩ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዲፓርትመንት ሕክምና መጥባሕቲ ሓጋዚ ፕሮፌሰርን ቺፍ ኤግዚክዩቲቭ ዳይሬክተር ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ሆስፒታል ዓይደር ብምዃን የገልግሉ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

Comments (0)
Add Comment