ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ሓፈሻዊ ነባራዊ ኩነታትን ምንቅስቓስ ስራሕን ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ተዓዚቦም።
እቲ ዑደት ቀፃሊ ኣንፈት ስራሕ ንምሃብ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።
ዶ/ር ኣብርሃም ኣብ እዋን እቲ ዑደት ምስ ሓለፍቲ ሰራሕ እቲ ፋብሪካ ከምዝተዛተዩ እውን ተገሊፁ።
ፋብሪካ ስሚኒንቶ መሰቦ ምስ ኢንደስትሪያል ኢንጅነሪንግ መስፍን ብምትሕብባር ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕቲ ፅገናን ኩነታት ፍሪያት ብዝሓሸ ቅልጣፈ ዝፍፀመሉን ኩነታት ብዝምልከት ኣንፈት ሂቦም።
ብተወሳኺ ፈትሓዊ ኣሰራርሓ ነክህሊን ሓደሽቲ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣርን ትኹረት ብምግባር ንክስራሕ ዘኽእል መስተኻኸሊ ከምዝግበር ተገሊፁ።
ካብዚ ሓሊፉ እቶም ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ መቐለን ከባቢኡን ኣብ ግዚያዊ መዓስከር ዝነብሩ ወገናት ዘለውሉ ኩነታት ተዓዚቦም ኢዮም።
ኣብቲ ዑደት ዝግበሩ ሰብኣዊ ደገፋት ብኣካል ዝተዓዘቡ እንትኸውን፥ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መሰቦን ኤልሻዳይ ጊዚያዊ መዓስከርን ዑደት ገይሮም ኢዮም።
ኣብቲ ዑደት ምስ ተወከልቲን ኣተሓባበርቲን እቲ መዓስከራት ኣብ ዝተገበረ ዘተ፥ ኣብ ክሊ ሰብኣዊ ደገፍ ዘጋጠሙ ፀገማት ብምእራም ፍትሓዊ ተበፃሕነት ኣተኣማማኒ ብምግባር እቲ ደገፍ ንምቕፃል ዘኽእል ኣንፈት ተዋሂቡ ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
ፍልፍል ፦ ቢቢሲ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።