ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ብቕልጡፍ ንኽሕሾም ዘለዎም ትምኒት ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ካብ ዝተትሓዙዎ ቫይረስኮሮና ብቕልጡፍ ንኽሕሾም ዘለዎም ትምኒት ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ብቫይረስ ኮሮና ምትሓዞም ስዒቡ፥ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም ኣለዉ፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ምልክት ኮቪድ-19 ምርኣዮም ስዒቡ ብዝተገበረሎም ምርመራ፥ ቫረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ቤት ፅሕፈት ፕሬዛዳንት ፈረንሳይ ገሊፁ ኢዩ፡፡

ንርእሶም ንሸውዓተ መዓልቲታት ብምግላል ስረሖም እናሰርሑ ክፀንሑ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment