ዶ/ር ሊያ ኣብ 4ይ ፎረም ጥዕና ዱባይ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ልምዲ ኣካፊለን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ቀዳማይ ደረጃ ተበፃሕነትን ፅሬትን ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ምዕባይ ኢትዮጵያ ዘለዋ ልምዲ ኣካፊለን፡፡

እተን ሚኒስትር ብበዓል መዚ ሓለዋ ጥዕና ዱባይ ኣብ ዝተዳለወ ራብዓይ ሮረም ጥዕና ዱባይ ብምስታፍ “ኣብ ቀረብ ሓለዋ ጥዕና ምምሕያሽ ፅሬትን ብቕዓትን ጥዕና” ቀዳማይ ደረጃ ተበፃሕነትን ፅሬትን ኣገልግሎት ጥዕናን ኩለመዳይ ሽፋን ጥዕናን ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር ኣብ ምድንፋዕ ፅሬት ዘለዋ ልምዲ ከምዘካፈላ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ገሊፀን።

ምስ በዓል መዚ ጥዕና ዱባይ፣ ናባዳት ኢኒሼቲቭ፣ ኑር ዱባይ ፋውንዴሽንን ሓለዋ ጥዕና ቪፒኤስን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታትን ዓውዲታትን ውፅኢታዊ ክልተኣዊ ልዝባት ምክያደን እውን ኣብሪሀን።

ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ መንግስቲ ሕቡራት ዓረብ ኤሚሬታትን ውልቀ ትካላትን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ዘፈራት ጥዕና  ንዝገበሩዎ ሓገዝን ምትሕብባርን ምስጋና ኣቕሪበን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment