ዶ/ር ሊያ ታደሰ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ርእሰ ምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገርን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል ተዛቲየን።

እቲ ልኡኽ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንገር ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ብዘብፀሖ ጉድኣት ዝተመዛበሉ ወገናትን ዝዓነዉ ትካላት ጥዕናን ተመልኪቱ።

ርእሰ ምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር፥ ሚኒስቴር ጥዕኛ እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ብምምስጋን እቲ ክልል ቁሱላትን ተመዛበልቲን ንምሕጋዝ እናገበረ ይኹ እምበር፤ ብፍላይ መሰረተ ልምዓታት ጥዕኛ መሊስካ ንምጥያሽ ኩሎም ኣካላት ክረባረቡ ከምዝግባእ ሓቲቶም።

ዶክተር ሊያ ብግደአን፥ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ንዝተመዛበሉ ወገናት ህፁፅ ምላሽ ዝኸውን 217 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ዘውፅኡ እታወታት ሕክምና፣ ኣፋውስን መሳርሒታት ሕክምናን ከምኡ እውን ሓገዝ ገንዘብ ከምዝተገበረ ገሊፀን፡፡

ኣብ ቀጻሊ እውን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ፌዴራልን እቲ ክልልን ብምዃን ስራሕቲ መሊስካ ህንፀት ተጠናኂሩ ከምዝቕፅል ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment