ዶክትሪን ፖሊስ ፌዴሪኢ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዶክትሪን ፖሊስ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ ዶክትሪን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ብኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራልን ሚኒስቴር ሰላምን እናተሰናድአ ከምዝፀንሐ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ሰላም ሙፈሪያት ካሚል፥ ፖሊስ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ዝሕሉ ኣካል ምዃኑ ብተግባር ምርግጋፅ፣ ንስርዓት ዘይኮነስ ንህዝቢ ዘገልግል፣ ካብ ፖለቲካ ናፃ ዝኾነ፣ ስርዓት እንትለዋወጥ ዘይለዋወጥን ንህዝቢ ዝወገነን ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ፖሊስ ብህዝቢ ዝፍራሕ ዘይኮነስ ብህዝቢ ተደላዪ ንኽኸውን እቲ ዶክትሪን ኣድላዪ ኮይኑ ከምዝተረኸበ እውን ገሊፀን።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራልእንዳሻው ጣሰው ብግደኦም፥ እቲ ዶክትሪን ኣብ ፖሊስ ዝረኣዩ ዝነበሩ ድኽመታት ንምፍታሕ፣
ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ፣ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ክሕሉ ዝኽእል ዘበናዊን ዘበን ተሳጋሪን ፖሊስ ንምህናፅ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment