ዶክተር ፋንታ ማንደፍሮ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኮይኖም ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዶክተር ፋንታ ማንደፍሮ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኮይኖም ተሾይሞም።

ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ 5ይ ዙር 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ቀዳማይ ህፁፅ ጉባኤኡ እናሳለጠ ይርከብ።

ኣብቲ ጉባኤ፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ላቀ ኣያሌው፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓር ብልፅግና ጨንፈር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ዮሃንስ ቧያለው፣ ብብርኪ መዓርግ ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊ ኢንዱስትሪን ኢንቨስትመንትን ኣይተ መላኩ ኣለበልን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማ፣ መንበሪ ኣባይቲን ኮንስትራክሽንን ኣይተ ፋንታ ደጀንን ብብርኪ መንግስቲ ፌዴራል ሓላፍነት ከምዝተውሃቦም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ተዛሪቦም።

ኣይተ ተመስገን ካብዚ ብምብጋስ፥ ነቶም ናብ መንግስቲ ፌዴራል ዝተዘዋወሩ ሓለፍቲ ስራሕ ዝትክኡ ሓደሽቲ ሕፁያት ዝርዝር ኣቕሪቦም።

ብመሰረት እዚ ዶክተር ፋንታ ማንደፍሮ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ብምግባር ዘቕረቡዎም እንትኾኑ፥ እቲ ቤት ምኽሪ እውን ነቲ ሽመት ኣፅዲቑዎ ኣሎ።

እቲ ሽመት ብሰለስተ ተቓውሞ፣ ብ44 ድምፀ ተኣቅቦን ብኣብዝሓ ድምፂን ኢዩ ፀዲቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ ብርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ተምስገን ዝቐረቡ ካልኦት ሽመታት እውን ኣፅዲቑ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ፦

• ዶክተር ሙሉነሽ ኣበበ – ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕር መተሓባበሪት ክላስተር ማህበራዊ ጉዳይን ሓላፊት ቢሮ ሰራተኛን ማህበራዊ ጉዳይን

• ዶክተር ሰይድ ኑሩ – ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕር መተሓባበሪ ክላስተር ኢኮኖሚን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማ፣ መንበሪ ኣባይቲን ኮንስትራክሽንን

• ዶክተር ሲሳይ ዳምጤ – ሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላምንድሕንነትን ክልል ኣምሓራ

• ኣይተ ተፈራ ወንድማገኝ – ሓላፊ ቢሮ ኢንዱስትሪን ኢንቨስትመንትን ክልል ኣምሓራ

• ዶክተር የሺመቤት መንግስቴ – ዋና ኦዲተር ክልል ኣምሓራ

• ኣይተ ኣቡዬ ካሳሁን- ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ

• ኣይተ ሃይለየሱስ ተስፋማርያም – ምክትል ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ ኮይኖም ተሾይሞም።

Comments (0)
Add Comment