ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ፋብሪካ ሓፂነ መፂን ኣዋሽን ፋብሪካ ጋርመንት ቪሎሲቲን ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሎሚ ሐዓልቲ ኣብ ፋብሪካ ሓፂነ መፂን ኣዋሽን ፋብሪካ ጋርመንት ቪሎሲቲን መቐለ ዑደት ኣካይዶም፡፡

ፋበሪካ ሓፂነ መፂን ኣዋሽ ቴንዲኖታት ምፍራይ ምጅማሩ ንስራሕቲ ኮንስትራክሽን ትግራይ ብፍላይ ድማ ንስራሕቲ 70 ካሬ ዝለዓለ ግደ ከምዘለዎ ብምግላፅ በዚ ኣዝዮም ሕጉስ ከምዝኾኑ ገሊፀም፡፡

ቴንዲኖ ኣብ ኢድና ኣትያ ኣላ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፥ እቲ ፋብሪካ ካብዚ ብተወሳኺ ንልዕሊ 2000 ወገናት ስራሕ ዕድል ዝፈጥር ከምዝኾነ፣ ዛጊድ ድማ ን 500 ወገናት ዕድለ ስራሕ ተፈጢሩ ምርኣዮም ዝተባባዕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ፋበሪካ ቬሎሲቲ ኣጋጥሙዎ ዝነበረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ እዉን ተዘዋዊሮም ዝተዓዘቡ ዶክተር ደብረፅዮን፥ ዋላኳ እቲ ሓዊ ብምርብራብ ምጥፍኡን ኣብ ቀለልቲ ማሽንን ፍርያትን ሓደጋ እንተበፅሐ ነቲ ዓብዪ ፋብሪካ ዘይጎድአ ምዃኑ ብምሐባር “ንሕና እዉን ክንከታተሎን ትመህርቲ ወሲድና ኣብ ካልኦት ፋብሪካታት ተመሳሳሊ ሓደጋ ንከየጋጥም ትመህርቲ ክንወስደሉ ኢና” ኢሎም።

ብዮናታን ግዛቸው

ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment