ዶክተር ዮሃንስ ሃይለስላሰ ኣብ ዓለም ኣገደስቲ ሰባት ዓውዲ ሳይንስ ዓመተ 2019 ካብ ዝተብሃሉ 10 ሰባት ሓደ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ተመራማሪ ኣመፃፅኣ ደቂ ሰባትን ማሕበረሰብን ዶክተር ዮሃንስ ሃይለስላሰ ኣብ ዓለም ኣገደስቲ ሰባት ዓውዲ ሳይንስ ዓመተ 2019 ካብ ዝተብሃሉ 10 ሰባት ሓደ ኮይኖም።

እቶም ተመራማሪ ብብርኪ ዓለም ፍሉጥ ኣብ ዝኾነ ጋዜጣ ኔቸር ሽሞም ካብ ዝተዘርዘሩ 10 ኣገደስቲ ተመራመርቲ እዮም ተኻቶቶም።

ዶክተር ዮሃንስ ሃይለስላሰ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 2 ነጥቢ 5 ክሳብ 5 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዕድመ ዘለዎም ቅሪተ ኣካል ደቂ ሰባት ዝረኸቡ ተመራማሪ ምዃኖም ይፍለጥ።

ስለዝኾነ እቶም ተመራማሪ ዝረኸብዎም ቅሪተ ኣካላት፥ ኢትዮጵያ መቦቀል ደቂ ሰባት ከምዝኾነት ዘጠናኽሩ ርካባት ከምዝኾኑ ይዝረብ።

ንኣብነት ኣብ ክልል ዓፋር ብምርምር ዝተረኸበት ሉሲ ካብ ውፅኢት ምርምር ዶክተር የውሃንስን መሓዘኦም ተረቋሒት ኢያ።

ካብ ምርምር ደቂ ሰባት ብተወሳኺ ኣብ ክልል ዓፋርን ከባቢ ኣዋሽን ብዝገበርዎ ምርምር ሚሊዮናት ዓመታት ዘቑፀሩ ዝተፈላለዩ ቅሪተ ኣካል እንስሳት ረኺቦም ኢዮም።

ብድምር በቶም ዝሰርሕዎም ውፅኢታት ምርምር ኣብ ዓለም ኣገደስቲ ሰባት ዓውዲ ሳይንስ ዓመተ 2019 ካብ ዝተብሃሉ 10 ሰባት ሓደ ኮይኖም ኣለዉ።

ፍልፍል፦ www.wksu.org/

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment