ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ፣ ኣይተ ስብሓት ነጋ፣ ኣምባሳደር ኣባይ ወልዱን ካልኦት ተጠርጠርቲን ናብ ቤት ህንፀት ንኽኣትዉ ተዛዚዙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ፣ ኣይተ ስብሓት ነጋ፣ ኣምባሳደር ኣባይ ወልዱን ካልኦት ተጠርጠርቲን ናብ ቤት ህንፀት ንኽኣትዉ ተዛዚዙ።

እተፖም ተጠርጠርቲ ናብ ቤት ህንፀት ከኣትዉ ተኣዚዙ ዘሎ ዓቃቢ ሕጊ ብመዝገብ ቁፅሪ 220866 መዝገብ ቅድመ ምርመራ ምኽፋቱ ስዒቡ ኣብ ቤት ህንፀት ቅሊንጦ ንኸኣትዉ ዘቕረቦ ስምዕታ ስዒቡ ኢዩ።

ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ካብ ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም ወፃእ ዘለዉ ኩሎም ተጠርጠርቲ ጉዳዮም ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ መጋባእያ ኣራዳ ቀዳማይ እዋን ቆፀሮ ተራኢዩ።

ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም ብስነ-ስርዓት መቕፅ ሕጊ 28 መሰረት ብምግባር ብዋሕስ ከምዝተለቐቓ ኣብቲ መጋባእያ ተገሊፁ።

ኣብቲ እዋን ጉጅለ ምርመራ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል እቶም ተጠርጠርቲ ብተጠርጠሩሉ ገበን ፈተነ ምፈፍራስ ሕገ-መንግስቲን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን እናተሳለጠ ዝነበረ ምርመራ ምዝዛሙ ንመጋባእያ አፍሊጡ።

ዓቃቢ ሕጊ ኣብ መጋባእያ ተረኺቡ ብመዝገብ ስነ-ስርዓት 5ይ ተጠርጣሪት ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ክልል ዝነበራ ወይዘሮ ሕርይቲ ምሕረተኣብን 8ይ ተጠርጣሪ ኣማኻሪ መንግስቲ እቲ ክልል ዝነበሩ ኣይተ ወልደጊዮርጊስ ደስታ ከምኡ እውን ኣብ እኒ መዝገብ ኣምባሳደር ኣባይ ወልዱ ዝርከቡ 8ይ ተጠርጣሪ ሓላፊ ቢሮ ሰማዒ ስምዕታ እቲ ክልል ዝነበሩ ኣይተ ዓምደማሪያም ተፈራ፤ ኣብ ቀፃሊ ምርመራ እንተተገይሩሎም ምቕራብ ንኽኽእሉ ብቑዕ ዋሕስ ኣቕሪቦም እንተተፈቲሖም ኣይቃወምን ምባሉ ስዒቡ ቤት ፍርዲ ሕድሕዶም ብብር 30 ሺሕ ዋሕስ ንኽወፅ ኣዚዙ።

ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ካልኦት ተጠርጠርቲ ብኽሲ ምፍራስ ሕገመንግስታዊ ስርዓትን ብገበን ግብረራዕዲን ክሲ ከምዝምስረቶም ንቤት ፍርዲ ገሊፁ፡፡

መዝገብ ቅድመ ምርመራ ምኽፋቱ ስዒቡ እቲ መዝገብ እዋን ቆፀሮ ንኽዕፀወሉን ተጠርጠርቲ ናብ ቤት ህንፀት ክኣትዉን ሓቲቱ።

ጠበቓታት ተጠርጠርቲ ብግደኦም ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ተሳትፎ ገበኖም ኣብ ዘይተፈለየሉ ኩነታት መዝገብ ቅድመ ምርመራ ተኸፊቱ ኣሎ ምባሉ ግቡእ ኣይኮነን ክብሉ መቃወሚ ነጥቢ ኣልዒሎም ተቓዊሞም።

ቤት ፍርዲ እውን ተሳትፎኦም እቲ መዝገብ ኣቕሪቡ ይመልከት ብምባል ተጠርጠርቲ ብዋሕስ ወፂኦም ቀዳማይ ምርመራ እንትስማዕ ምቕራብ ይኅእሉ ኢዮም ሕቶ ዋሕስ ኣልዒሎም።

ዓቃቢ ሕጊ ብዋሕስ ይውፅኡ ዝበሎም ተጠርጠርቲ ዝኾነ ይኹን መረዳእታ ከምዘይተረኸቦም ብፅራሕ፥ ብዋሕስ ዘይኮነስ ብናፃ ክሰናበቱ ኣለዎም ክብሉ መቃወሚ ኣቕሪቦም።

ዓቃቢ ሕጊ እውን ኣብቲ ዝቐረበ መቃወሚ ምላሽ ዝሃበ እንትኸውን፥ ንመርአዪ ዝኾኑ ድማ ናይ ዝተወሰኑ ተጠርጠርቲ ተሳትፎ ንመጋባእያ ኣብራህሪሁ።

ነዳጅ ተዘርፎ መሬት ውስጥ ተቀብሮ መገኘቱንም አመላክቷል ዐቃቤ ህግ።

ተጠርጠርቲ ብስነ-ስርዓት መቕፅዒ ሕጊ ገበነኛ 63 ብዛዕባ ክሲ ከምዘረድእ ብምፅራሕ፥ ብጠበቓታት ዋሕስ ኣየኽልክልን ተባሂሉ ዝቐረበ ስሕተት ኢዩ እውን ኢሉ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሃገር ንምፍራስን ስልጣን ብሓይሊ ንመሓዝ ኲናት ከፊቶም ህይወት ሰባት ምጥፈኦም ብምልዓል እውን ዋሕስ ዘኸልክል ኢዩ ክብል ኣብ ሕቶ ዋሕሶም መብርሂ ሂቡ።

ጠበቓታት ብግደኦም ዓማዊሎም ቤት ህንፀት ቂሊንጦ ንድሕንነቶም የስግእ ኢዩ ክብሉ ስምዕታ ዘቕረቡ እንትኾኑ፥ ቤት ፍርዲ መመልከቲ ኣቕርቡ ኢሉ።

እቲ ቤት ፍርዲ፥ ሕቶ ዋሕሶም ውድቂ ብምግባር ኣብ ቤት ህንፀት ኣዲስ ኣበባ ንኽፀንሑ ኣዚዙ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment