ዶክተር ኢ/ር ስለሺ ምስ ዋና ፀሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣፍሪካ ብምዃን ኣብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይሻ ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጅነር ስለሽ በቀለ ምስ ዋና ፀሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣፍሪካ ከቬራ ሶንግዌ ብምዃን ኣብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይሻ ዑደት ኣሳሊጦም።

እቶም ሚኒስትርን ዋና ፀሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣፍሪካን፥ ኣብ ሩባ ኦሞ እናተሃነፀ ኣብ ዝርከብ መፈልሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጊቤ 4 ወይ ድማ ኮይሻ ዝርከበሊ ከይዲ ህንፀት ከምኡ እውን ሓይሊ እናፈልፈለ ዝርከብ መፈልፈሊ ሓሊ ኤሌክትሪክ ጊቤ 3 ኢዮም ዑደት ኣካይዶም።

ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ እቲ ዑድት ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፅ ከምዝበሉዎ፥ እቲ ዑደት ኢትዮጵያ ዘለዉዋ ሃፍቲታት ማይ ኣብ ዘላቒ ዕቤትን ንምምሕያሽ ህይወት ዜጋታትን ብኣግባቡ እናተጠቐመት ምዃና ዘርኢ ኢዩ።

ጊቤ ሶስት ህንፀቱ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ተዛዚሙ ኣብዚ ሕዚ እዋን 1 ሺሕን 870 ሜጋ ዋት ሓይሊ እናፈልፈለ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ህንፀቱ 39 ሚኢታዊ በፂሑ ዘሎ ጊቤ 4 እንትዛዘም ድማ 2 ሺሕን 160 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከፈልፍል ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment