ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ሓላፍነት ስራሕ መንግስቲ ብብቕዓት ብምውፃእ ናይዚ ዓመት ሽልማት “በጎ ሰው” ሽልማት ኣሸነፊ ኮይኖም።
እቲ መርሃ ግብሪ ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ኣብ ዝተረኸባሉ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።
ነቲ ሽልማት ካብ ዝተሓፀዩ 500 ባት እቶም 30 ናብ ናይ መወዳእታ ዝርዝር ሕፁያት ተኻቲቶም።
ብመሰረት እዚ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ ሓላፍነት ስራሕ መንግስቲ ብብቕዓት ብምውፃእ ናይዚ ዓመት ሽልማት “በጎ ሰው” ሽልማት ኣሸነፊ ኮይኖም።
ብመምህርነት ዘርፊ ዶክተር ልዑልሰገድ ኣለማየሁ፤ ብበጎ ኣድራጎት ዘርፍፊ ኣይተ ኣማረ ኣስፋው፣ ብቅርስን ባህልን ሓለዋ ዘርፊ ቢላል ሃበሽ ናይ ማሕበረሰብ ሙዚየም ማእኸል፣ ብሳይንስ ዘርፊ ፕሮፌሰር ኣለማየሁ ተፈራ፣ ናይ ማሕበራዊ መፅናዕቲ ዘርፊ ፕሮፌሰር ጥላሁን ተሾመ፣ ብንግዲን ስራሕቲ ፈጠራን ዘርፊ ኣይተ በላይነህ ክንዴ ፣ ብዳያስፖራ ዘርፊ ኣይተ ኤሊያስ ወንድሙ ኣሸኒፎም ክብል ግዜኢ ዘጊቡ።
ፎቶ ካብ ፕሬስ ድርጅት
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።