ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ምውጋእ ቫይረስ ኮሮና ርኡይ ተራ እናተዋፅኡ ዝርከቡ ብርቱዕ መራሒ – ቢቢሲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)“ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ምውጋእ ቫይረስ ኮሮና ርኡይ ተራ እናተፃወቱ ዝርከቡ ብርቱዕ መራሒ” ክብል ቢቢሲ ንዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዘለዎ ናእዳ ገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ብምዃን እናገልገሉ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብዚ ከቢድ እዋን ሓላፍነቶም ብግቡእ እናተዋፅኡ ዝርከቡ ዓቢዪ መራሒ ከምዝኾኑ ፀብፂቡ።

ኣብ 70 ሃገራት ተላቢዱ ዘሎ ቫይረስ ኮሮና ኮቪድ-19፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘብጽሖ ዘሎ ሳዕቤን ከመይ ምምካት ይከኣል ኢልካ ምሕሳብ ቀሊል ኣይኮነን፤ እዞም ኹሉ ፀቕጢታት ፀይሮም ዝኸዱ ዘለዉ ግን ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓላም ኢትዮጵያዊ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኢዮም ኢሉ ኣብ ፀብፃቡ።

ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣድማሱ እናስፈሐ ናብ መላእ ሃገራት ዓለም እናተላነደሉ ኣብ ዝርከብ ኣብዚ ኣስጋኢ እዋን ሓላፊ ምዃን ከቢድ ዋላኳ እንትኾነ፥ ዶክተር ቴድሮስ ግን ብዕቱብ እናሰርሑ ከምዝርከቡ ገሊፁ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ዘበነ ስልጣኖም ፈለማ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ብዝተወለዐ ቫይረስ ኢቦላ፣ ሕዚ ድማ ብቫይረስ ኮሮና እናተፈተኑ ይርከቡ ዝበለ እቲ ፀብፃብ፥ ይኹን እምበር እቶም መራሒ ኣበርቲዖም እናሰርሑ ምዃኖም ክምስገኑ ከምዝግባእ ኣብሪሁ።

ቢቢሲ፥ ክልቲኦም ሕማማት ንውድብ ጥዕና ዓለም ይኹን ንማሕበረሰብ ዓለም ሃንደበታዊ ሕማማት ምዃኖም እውን ገሊፁ ኢዩ።

የዓለም ጤና ድርጅት የመጀመሪያው አፍሪካዊ መሪ የሆኑት ዶክተር ቴዎድሮስ ከሁለት አመት በፊት ወደ ሃለፊነት የመጡ ሲሆን በየአመቱ በሚሊዮን ለሚቆጠሩ ሰዎች ህልፈት ምክንያት የሆኑትን ወባ፣ ኩፍኝ፣ የሳንባ ምች እና ኤችአይቪ ለመቀነስ እየሠሩ እንደሚገኙ ቢቢሲ በዘገባው አስታውሷል።

እቶም ዋና ዳይሬክተር ንፈለማ እዋን ናብ ሓላፊነት እንትመፅኡ፥ ብሚሊዮናት ንዝቑፀሩ ሰባት ሕልፈት ዝኾኑ ከም ዓሶ፣ ንፍዮ፣ ሕማም ሳምቡእን ኤች ኣይቪ ኤድስን ንምጥፋእ ከምዝሰርሑ ቃል ምእታዎም ኣዘኻኺሩ።

ብዝኣተዉዎ ቃል መሰረት፥ እቶም ሕማማት ንምክልኻልን ሳዕቤኖም ንምንካይን ኣበርቲዖም እናሰርሑ ምዃኖም እውን ኣፍቲ ዘውፀኦ ሰፊሕ ፀብፃብ ኣፍሊጡ።

Comments (0)
Add Comment